Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ይበልጣል ኣእምሮ ንፍሉይ ተወካሉ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ዞባዊ ጉዳያትን ኣድሂቦም መብርሂ ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ኣምባሳደር ይበልጣል ኣእምሮ ንፍሉይ ተወካሊ ዋና ፀሓፊን ሓላፊ ልኡኽ ዝተዋደደ ሓገዝ ስግግር ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ሱዳንን ቮልኬር ፕርተኸስ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ዞባዊ ጉዳያትን ኣድሂቦም መብርሂ ሂቦም።

ኣምባሳደር ይበልጣል ኣብ መብርሂኦም፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘለዉ ጉዳያት ብዝተዋደደን ሕጋዊ ዝኾኑ ዶክመንታት ብመሓዝ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ከምትደሊ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ሓላፍነት ብዝተመልኦን ንኹሉ ብረሕን መልክዑ ምልኢት ማይ ግድብ ህዳሰ ከምተካይድ፤ ዝግበር ከይዲ ድርድር ድማ ነዙይ ብዘሓለወ መልክዑ ንኽካየድ ብሓላፍነት እናሰርሐት ከምዝኾነት ተዛሪቦም።

እቶም ኣምባሳደር፥ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ስዒቡ እናተሰርሑ ዝርከቡ ሰብኣዊ ሓገዛትን ምንቅስቓስ ትካላት ሚዲያን ዝምልከት ገለፃ ምግባሮም እውን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.