Fana: At a Speed of Life!

ኣርባዕተ ስምምዓት ኢትዮጵያን ቱርኪን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ቱርክን ኣርባዕተ ስምምዓት ተፈራሪመን።

ክልተኣዊ ርክብ ኢትዮጵያን ቱርኪን 125 ዓመት ዝሓለፎ እንትኸውን፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ ኣብ ዝገበሩዎ ዕላዊ ዑደት ኣርባዕተ ስምምዓት ብምፍርራም ተዛዚሙ።

ንሳቶም እውን ምትሕብባር ማይ ንምግባር ሓበራዊ ሰነድ ስምምዕነት፣ ስምምዕነት ወታደራዊ ማዕቐፍ፣ ሓገዝ ፋይናንስ ዝምልከት ሰነድ ትግበራን ስምምዕነት ምትሕብባር ወታደራዊ ፋይናንስን ኢዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ዑደቶም ኣብ መኻነ መቓብር ኣኒትካቢር ሕቑፊ ዕምበባ ኣቐሚጦም።

ኢትዮጵያ ምስ ቱርኪ ዘለዋ ምትእስሳር ኣብ ምክብባር፣ ምትእምማንን ሓበራዊ ግንዛበን ዝተመርኮሰ እንትኸውን፥ ዝማዕበለ ባህሊን ክብሪን ንዝተመልአን ክልተ ጥንታውያን ሰብ ዋና ስልጣነ ዝምጥን ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ተዛሪቦም።

ኣብ ቤተ መንግስቲ ቱርኪ ብፕሬዚዳንት እታ ሃገር ረሲፕ ታይፕ ኤርዶጋን ድሙቕ ኣቀባብላ ዝተገበረሎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ድሕሪኡ ድማ ክልቲኦም መራሕቲ ምስ ጉጅለ ልኡኻቶም ብምዃን ክልተኣዊ ልዝብ ኣካይዶም።

ኣብቲ ዘተ ክልቲኦም ወገናት ምትሕብባሩ ብቐፃሊ ንምጥንኻር ዘለዎም ቆራፅነት ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.