Fana: At a Speed of Life!

ኣባላት ኣመራርሓ ተወለድቲ ትግራይ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ኣዲስ ኣበባ መድረኽ ዘተ ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ ወረዳ ብብርኪ መሪሕነት ዝሰርሑ ኣባላት ፓርቲ ብልፅግና ተወለድቲ ትግራይ ዘተ ኣካይዶም።

እቲ መድረኽ ዘተ፥ ብምኽኒያት ኮቪድ 19 ምርጫ ምንዋሕን ካልኦት እዋናዊ ዛዕባታትን ትኹረት ዝገበረ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ፓርቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኩሎም መሓዉራት ብዕሊ ስራሕ ከምዝጀመረ እውን ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ።

ድሕሪ እቲ ዘተ ኣብ ዝተውሃበ በዓል ሓሙሽተ ነጥብታት መግለፂ ቅዋም፥ “ንሕና ኣብ ዝተፈላለዩ ብርኪታት ሓላፍነት ዘለና ናይ ቀደም ኣባላት ህወሓት፣ ኣብ ፓርቲ ብልፅግና ብምሕቛፍ ንምንቅስቓስን ጉዕዞ ምዕባለ ኢትዮጵያ ዕላዊ ንምግባርን ካብ ዘለና ፅኑዕ ድልየት ብናይ ባዕልትና ድልየት እንትንሕወስ፣ ፓርቲና መላእ ህዝብና ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ምንም ከይተረብሐ ከምዝተረብሐ ብምሕሳብ ብስሙ ዝንገዶ ዝነበረ ህዝቢ ትግራይ ተረባሒ ንምግባር ዘኽእልን ቀፃሊ ዕድል እቲ ህዝቢ ብሩህ ንምግባርን ከምዝከኣል ካብ ዘለና ልባዊ እምነት ዝተበገሰ ኢዩ” ኢሎም።

ስለዝኾነ ብልፅግና ናይ ኩሉ ኢትዮጵያውያን ፓርቲ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ኩሎም ህዝብታት ብማዕርነትን ፍትሓውነትን ዘሳትፍ ኣወዳድባ ብምፍጣር ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ሓቢሮም።

ህዝቢ ትግራይ ንመሰሉን ናፅነቱን ክቡር ዋጋ ዝኸፈለ፣ ምስ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ኢትዮጵያን ብሓባር ብምዃን ምንባር ዝደሊ ህዝቢ ምዃኑ እውን ገሊፆም።

ብልፅግና ንትኽክለኛ ህብረ-ብሄራዊ ሓድነት ኣብ ምክብባርን ምትእምማንን ዝተደረኸ ማንነት ህዝቢ ንምጥንኻር ዝሰርሕ ፓርቲ እምበር ብስም ፌዴራሊዝም ድልየት ውሑዳት ንምምላእ ዝሰርሕ ኣይኮነን እውን ኢሎም።

መንግስቲ ምንዋሕ ምርጫ ኣድሂቡ ዝኸዶ ዘሎ ሕጋዊን ሕገ መንግስታዊን ኣንፈት መፍትሒ ኢዩ ዝበለ እቲ መግለፂ፥ ብብርኪ ክልል ምርጫ ምክያድ ዘይከኣልን ኢ-ሕገመንግስታዊን ከምዝኾነ ድማ ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ።

ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልኦት ኣሕዋትን ኣሓትን ህዝብታት ብሓባር ምንባር ዝፈልጥ፣ ንሓድነት ኢትዮጵያ ብዙሕ ዋጋ ዝኸፈለ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብኣልኣዛር ታደለ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.