Fana: At a Speed of Life!

ኣባል ሃገራት ብሪክስ ካብ ፅዕንቶ ምዕራባውያን ናፃ ዝኾነ ስርዓት ዓለም ንክፍጠር ሓቲተን

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባል ሃገራት ብሪክስ ካብ ፅዕንቶ ምዕራባውያን ናፃ ዝኾነ ስርዓት ዓለም ንክፍጠር ሓቲተን።

ኣኼባ ሚኒስትራት ጉዳይ ወፃኢ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ብራዚል፣ ሩሲያ፣ ቻይና፣ ህንድን ደቡብ ኣፍሪካን ዘካተተ ኣኼባ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ።

ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ደቡብ ኣፍሪካ ናሌዲ ፓንዶር፥ ራእይ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ጂኦፖለቲካዊ ምስሕሓብ፣ ኢ ፍትሃዊነትን ዘይምርግጋዕን ኣብ ዝነገሰላ ዓለም ኣመራርሓ ምሃብን ካብ ፅዕንቶ ምዕራባውያን ናፃ ዝኾነን ስርዓት ምፍጣር ኢዩ ኢሎም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ሰርጌ ላቭሮቭ ብግደኦም፥ ስዑዲ ዓረብ ሓዊሱ ልዕሊ ዓሰርተ ሃገራት ኣባል ብሪክስ ንምዃን ድልየት ከምዘለወን ሓቢሮም።

ኣባል ሃገራት ብሪክስ ካብ ሓፈሻዊ ቁፅሪ ህዝቢ ዓለም እቲ 40 ሚኢታዊ ከምዝሽፍና ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.