Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሃፍቲ ኣባላት ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ተወሳኺ ሓበሬታ ንኽግበር ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ኣባላት ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝኾኑ ንብረታት ብኽራይ፣ ብምውክልናን ካልኦት መገዲታትን ተታሒዞም ዝርከቡ ሃፍቲታት ሓበሬታ ንኽቐርብ ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ ፌዴራል ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ኣባላት ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት፥ ብሽሞም፣ ብስም ስድረኦምን ብቐረባ ኣዝማዶምን ዝተትሓዙ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ክልል ከተማታትን ዝርከብ ንብረት ምቕራብ ከምዝከኣል እቲ ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ ሓቲቱ፡፡

ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ ፌዴራል ጉጅለ ግብረራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ካብ ዝፍፅም ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ጥፍኣትን ኣባላቱን ምርመራ ሃፍቲ እናገበረ ምፅንሑ ኣፍሊጡ፡፡

ብገበን ዝተረኸበን ኣብ ውሽጢ ሃገር ወይ ድማ ኣብ ወፃኢ ዝተሓብአ ሃፍቲ ሓበሬታ ንኽቐርብ ብዝቐረበ ፃውዒት ካብ ህዝቢ ዝተውሃቡ በዝሒ ዘለዎም ሓበሬታታትን መረዳእታታትን መሰረት ብምግባር ኣብ ሃፍቲን ትካላትን እቲ ኣሸባሪ ጉጅለን ኣባላቱን ብዝተገበረ ስራሕቲ ምፅራይ ብዙሓት ውፅኢታት ተመዝጊቦም ኢዮም፡፡

ነዚ ድማ እቲ ትካል ምስጋና ኣቕሪቡ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ብሽም ኣባላት ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት፣ ቤተሰቦምን ናይ ቀረባ ሰባትን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታት ክልልን ዘለዉ ዘይንቀሳቐሱን ተንቀሳቐስቲን ቀወምቲ ንብረታት ብኣካል ብምፍላይ ናይቲ ጉጅለ ጥፍኣት ንብረታትን ካብቲ ንብረት ዝርከብ ኣታዊን ንግብረ ራዕዲን ካልኦት ገበናትን ምጥቃም ንኸይከኣል ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ ሰፊሕ ናይ ምክልኻል ስራሕ ይስራሕ ኣሎ።

ንማእኸል ደሕንነት ፋይናንስ፣ ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገርን ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ንዘርኣይዎ ምትሕግጋዝ ስራሕ ልዑል ምስጋና ኣቕሪቡ።

እቲ ምርመራ ኣጠናኺርካ ንምቕፃልን ግብረ ራዕዲን ካልኦት ኣብ ልዕሊ ኢኮኖሚ ሃገር ዝፍፀሙ ገበናትን ብኣግባቡ ንምክልኻል ተወሳኺ ሓበሬታታት ምኽባል ኣድላዪ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ እውን ኢሉ።

ናይ ኣባላት ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ዝኾኑ ንብረታት ብኽራይ፣ ሓደራ፣ ብሓለዋነት ወይ ብኻሊእ መገዲ ሒዝኩም እትርከቡ ሰባት እዚ መልክታ ካብ ዝተገለፀሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ሸውዓተ ተኸታተልቲ መዓልቲታት ስራሕ ንላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ ፌዴራል ሪፖርት ንኸቕርቡ ሓቲቱ።

ብተወሳኺ ኣባላት ግብረ ራዕዲ ህወሓት፣ ብባዕልቶም ብቤተሰቦምን ቀረባ ሰባትን ስም ዝሓዝዎ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታት ክልላትን ዝርከብ ንብረት ብዝምልከት ካብ ህዝቢ ተወሳኺ ሓበሬታ ብኣካል፣ ብስልክን ኢሜይልን ንክቐርብ እናሓተተ ብኣካል ምቕራብ ንዘይኽእሉ ሓበሬታ መቕረብቲ በዞም ዝስዕቡ ቁፅሪታት ስልኪን ኢሜልን ንክጥቀሙ ሓቲቱ።

ስልክ ፡- +251112733154

Email: – assetrecovery@eag.gov.et

መቕረቢ ፀብፃብን ሓበሬታን ኣብ ቀፅሪ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ልደታ ኣብ ዝርከብ ህንፃ ዳይሬክቶሬት ጀነራል ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ 1ይ ደብሪ ብገን ዝተረኸበ ሃፍቲ ምምላስ እንትኸውን፥ ዝቐርቡ ጭቡጣት ሓበሬታታት መንግስቲ ንወሃብቲ ሓበሬታ ዝኸውን ተመጣጣኒ ክፍሊት ከምዝፍፅም ገሊፁ፡፡

ንብረታት ኣባላት ጉጅለ ራዕዲ ብኽራይ፣ ውክልና፣ ሓደራ፣ ሓለዋ ወይ ካሊእ መገዲ ሒዞም ሪፖርት ዘይገብሩ ኣካላት ብኣዋጅ ግብረ ራዕዲን ኣግባብነት ብዘለዎም ካልኦት ሕጊታትን ተሓተትቲ ከምዝኾነ ምግላፁ እውን መረዳእታ ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ የመልክት።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.