Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ህንዲ ቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም ብልዑል ብርኪ እናወሰኸ ምምፅኡ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ህንዲ ቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም ብልዑል ብርኪ እናወሰኸ ምምፅኡ ተገሊፁ።

ኣብታ ሃገር ናብ 10 ሺሕ ዝፅግዑ ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ከምዝተረኸቡ ሰብ መዚ ህንዲ ኣፍሊጦም።

ሚኒስቴር ጥዕና ህንዲ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 9 ሺሕን 985 ሓደሽቲ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ገሊፁ።

274 ሰባት ድማ ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

ኣብ ህንዲ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ እዋን 276 ሺሕን 583 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ እንትኾኑ፥ 7 ሺሕን 745 ሰባት ድማ ንሕልፈት ተቓሊዖም ኢዮም።

መንግስቲ እታ ሃገር፥ ቤት ብልዒታት ሓዊሱ ዓበይቲ ማእኸል ዕዳጋታትን ኣቢያተ እምነታትን ንምኽፋት ኣብ ምንቅስቓስ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ግልጋሎት ትራንስፖርት ባቡር፣ በረራ ውሽጢ ዓዲ፣ ሹቓትን መፍረይቲ ኢንዱስትሪታትን ብኽፋል ኣገልግሎት ንመሃብ ምጅማሮም ተሓቢሩ።

ፍልፍል፦ ኣልጀዚራ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.