Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ምስ ቫይረስ ኮሮና ምዝማድ ዘለዎም ጉዳያት ዝከታተል ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኩሎም ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ምስ ቫይረስ ኮሮና ምዝማድ ዘለዎም ጉዳያት ዝከታተል ግብረ ሓይሊ ከምዝተጣየሸ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ኣፍሊጡ።

እቲ ግብረ ሓይሊ ተግባራዊ ስርሑ ዝጀመረ እንትኸወን፥ ካብ 7 መጋቢት 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ተምሃሮ ዩንቨርስቲ ኣብ ውሽጢ ክፍሊ ዝወሃቦም ትምህርቲ ደው ብምባል ሃንድ ኣውት፣ ሓገዝቲ መፃሕፍቲ፣ ኢንተርኔትን ሶፍት ኮፒን ብምቕራብ ንዝቕፅሉ ክልተ ሰሙናት ብውልቆም ንከንብቡ ከምዝገበረ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ኩሉ ጊዘ ኢዶም ንክሕፀቡ ዓሊሙ ማይ፣ ሳሙናን ካልኦት ኣድለይቲ ዝኾኑ ግብኣታትን የቕርብ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ካብዚ ሓሊፉ ንማሕበረሰብ እተን ዩንቨርስቲታት ኩነታት እቲ ቫይረስ ብዝምልከት ግንዛበ ንምፍጣር ዘኽእል ዝተፈላለዩ ሜላታት ይጥቀም ኣሎ ተባሂሉ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.