Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ብዝተፈላለዩ ሜላታት መራኸቢ ሓፋሽ ዝናፈሱ መፍረስቲ ተግባራት ግቡእነት ዝጎደሎም ኢዮም – ብርጋደር ጄኔራል ካሳዬ ጨመዳ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ኢትዮጵያዊያንን ብዘይኣፈላላይ ኣብ ልዕሊ ዘገልግል ሰራዊት ምክልኻል ብዝተፈላለዩ ሜላታት መራኸቢ ሓፋሽ ዝናፈሱ መፍረስቲ ተግባራት ግቡእነት ዝጎደሎም ከምዝኾኑ ብርጋደር ጄኔራል ካሳዬ ጨመዳ ገሊፆም።

ሃገር ዝሕሉ ሰራዉት ምክልኃል ካብ ቤላቤሎ ምክልኻል እናተጠናኸረ ዝኸይድ ትካል ናይ ምግባር ሓላፍነት ካብ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ትፅቢት ይግበር ክብሉ ዝገለፁ፥ ነበር ኣባላት ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ኢዩ።

ሓለቓ ሺሕ ጳውሎስ ጌታቸው፥ ወታደር ኢትዮጵያ ኣብ ሞንጎ ዘበናት ክብሪን ዶብን ሃገሩ ኣብ ምሕላው እናገበሮ ዝርከብ ተጋድሎ ዓቢዪ ስለዝኾነ ኩሉ ዜጋ እቲ ትካል ንምህናፅ ክረባረብ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ካሊእ ምስ ጣቢያና ፃንሒት ዝገበሩ ነበር ኣባል ሰራዊት ሓለቓ ሺሕ ባሻ ኣሊ በርኬ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያውያን ብነብሱ ተወራሪዱ ንዝሕልዎም ሰራዊት ምክልኻል ኣድላዪ ክብሪ ክህቡዎ ይግባእ ኢሎም።

ብኣፈወርቅ ኣለሙ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.