Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት መጥቃዕቲ ንምፍፃም እናተንቀሳቐሱ ኣብ ዝነበሩ ዕጡቓት ሸኔ ስጉምቲ ተወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ምብራቕ ጉጂ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት መጥቃዕቲ ንምፍፃም እናተንቀሳቐሱ ኣብ ዝነበሩ ዕጡቓት ሸኔ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ቅርበት ዘለዎም ፍልፍላት ኣረጋጊፆም።

ምስ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ጥምረት ብምፍጣር ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተወሰኑ ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት መጥቃዕቲ ንምፍፃም ብሕቡእ እናተንቀሳቐሰ ዝርከብ ግብረ ራዕዲ ሸኔ፥ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዞባ ምብራቕ ጉጂ ወረዳ ጎሮ ዶላ ቀበሌ ኣዳዲን ፍሉይ ቦታ ሙጋዮ ዝተብሃሉ ከባቢታት መጥቃቲ ንምፍፃም ንምግባር ዕጡቓት ኣሽሊኹ ንምእታው ከምዝፈተነ ተገሊፁ።

ይኹ እምበር ምንቅስቓስ እቲ ጉጅለ ብሚስጢር እናተኸታተሉ ዝነበሩ ኣካላት ፀፅታ መንግስቲ ብዝወሰዱዎ ስጉምቲ ዝተሃቀነ ሽርሒ ከምዝፈሸለን ልኡኽቶ ተቐቢሎም እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ ኣባላት እውን ከምዝተደምሰሱን ነቲ ሓበሬታ ቅርበት ዘለዎም ፍልፍላት ኣረጋጊፆም።

ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ እናተወሰደ ዝርከብ ስጉምቲ ስዒቡ ምዉታት ከይፍለጡዎ ሬሳ ሒዙ እናሃደመ ከምዝነበረ ዝሓበሩ ፍልፍላትና፥ ካብ ሞንጎ እቶም ዝቖሰሉ ኣባላት ነቲ ሓይሊ ዕጡቕ እናመርሑ ዝነበሩ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ከምዝርከቡዎ ተሓቢሩ።

ግብረ ራዕዲ ሸኔ እግሪ እግሪ ብምክትታል ሽርሑ ንምፍሻልን ከይዲ ምድምሳስን ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ እውን ፍልፍላትና ካብቲ ቦታ ኣረጋጊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.