Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ 95 ዑጡቓት ሸኔ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባታት ጉጂን ቦረናን ብዝተገበረ ወፍሪ ኣብ ልዕሊ 95 ዑጡቓት ሸኔ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ኮሚሽን ፖሊስ ኦሮሚያ ኣፍሊጡ።

ብዝተገበረ ወፍሪ 95 ዑጡቓት ሸኔ እንትድምሰሱ፥ ብዙሓት ከምዝቐሰሉ ተሓቢሩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ እቶም ዕጡቓት እናተጠቐሙሎም ዝነበሩ በዝሒ ዘለዎም ኣፅራት ከምዝተማረኹ ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ኦሮሚያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እቶም ዕጡቓት እናተጠቐሙለን ዝነበራ ሞተር ሳይክላትን ዝተፈላለዩ ናውቲን ክሕዝ ከምዝኸኣለ ዝሓበረ እቲ ኮሚሽን፥ ንዕዉትነት እቲ ወፍሪ ህዝቢ ንዝገበሮ ኣስተዋፅኦ ኣመስጊኑ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.