Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሕቡራት ዒሚረታት ዓረብ ካብ ቻይና ኣብ ዝመፅኡ ኣባላት ስድራ ቤት ቫይረስ ኮሮና ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሕቡራት ዒሚረታት ዓረብ ካብ ቻይና ዝመፅኡ ኣባላት ስድራ ቤት ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኸቦም ሚኒስቴር ጥዕና እታ ሃገር ገሊፁ።

እቶም በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ዝተብሃሉ ኣባላት ስድራቤት ኣብ ፅቡቕ ኩነታትን ከምዝርከቡን ክትትል ሕክምና እናተገበረሎም ምዃኑን እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ግን ዝበሎ የለን።

ኣብ ቻይና ግዝኣት ዉሃን ዝተርኣየ ሓዱሽለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ክሳብ ሕዚ ህይወት 132 ሰባት ከምዝሓለፈን ናብ 6 ሺሕ ዝፅግዑ ሰባት ድማ በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙን ፀብፃባት ይሕብሩ ኣለዉ።

እቲ ቫይረስ ካብ ቻይና ወፃኢ ኣብ ታይላንድ፣ ፈረንሳይ፣ ኣሜሪካን ኣውስትራሊያን ሓዊሱ ኣብ 16 ሃገራት ዓለም ከምዝተርኣየ ተረጋጊፁ ኢዩ።

ፍልፍል፦ ሬውተርስ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.