Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ 17 ጥምረት ኣወዳድባ ዳያስፖራ ኣብ ውፅኢት ሰላማዊ ዘተ ዘይግባእ ፅዕንቶ ንዝፈጥሩ ኣካላት ተቓዊሞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ 17 ጥምረት ኣወዳድባ ዳያስፖራ ኣብ ውፅኢት ሰላማዊ ዘተ ዘይግባእ ፅዕንቶ ንዝፈጥሩ ኣካላት ተቓዊሞም።

ኣባላት እቲ ጥምረት ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ፥ መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ እናካየዶ ዘሎ ተግባር ከምዝድግፉ ገሊፆም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ አፍሪካ እናተሳለጠ ዘሎ ዘተ ሰላም ሓዊሱ ገለ ገለ ሃገራት ዝፈጥሮኦ ዘይግባእ ፅዕንቶ ክንቃወም ኢና እውን ኢሎም።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ጎንፅን ዕንወትን ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ስዒቡ ምምፃኡ ኣዘኻኺሮም።

መንግስቲ ንሰላም ብዘለዎ ፅኑዕ ድሌት ብምብጋስ ምስ እዚ ጎንፂ ዝቐስቀሰ ኣካል ብዘይቅደመ ኩነታት ብምዝርራብ ሰላማዊ መፍትሒ ንምምፃእ ብተደጋጋሚ ድሌቱ ምርኣዩ ውን ገሊፆም።

ዘተ ሰላም ምኽንያት ገይሩ ኣብ ኢትዮጵያ ዘይግባእ ፅዕንቶ ብምፍጣር ብምስዋእትንት ዝተረኸበ ዓወት ንምሕዳግ ዝግብር ምንቅስቓስ ከምዝቃወሙ ኣመላኺቶም።

ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኣውሮፓን ካልኦት ኣካላትን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓባር ደው ክብላ ከምዝግብእ ኣገንዚቦም።

ውፅኢት ዘተ ሰላም ንምቕያር ዝግበሩ ዝኾኑ ዓይነት ፅዕንቶታት ከምዝቃወሙ ብምሕባር፤ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ካብ ጎንፂ ንምውፃእ ዝገብርዎ ፃዕሪ ብዝኽእልዎ ኩሉ ንምድጋፍ ኩል ግዘ ድልዋት ኢና ምባሎም ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.