Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መበል 11 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ንስሑል ሽረ ብምስዓር መሪሕነታ ኣጠናኺራ

ኣብ መበል 11 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ንስሑል ሽረ ብምስዓር መሪሕነታ ኣጠናኺራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መበል 11 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ዓመተ 2012 ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ቀፂሉ ውዒሉ።

ኣብ ስታዲየም ትግራይ ንጋንታ ስሑል ሽረ ዘተኣናገደት ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ብብሓታዊት ሽቶ ኦኪኪ ኣፎላቢ 1 ን 0 ብምስዓር መሪሕነታ ኣጠናኺራ።

ኣፍቲ ፀወታ ብወገን ስሑል ሽረ ዲዲዬ ሊብሬ ኣብ መበል 12 ደቒቕ ብቐይሕ ካርዲ ካብ መይዳ እንትባረር፥ ንመቐለ 70 እንደርታ ብሕታዊት ሸቶ ዘቑፀረ ኦኪኪ ኣፎላቢ ድማ ኣብ መበል 81 ደቒቓ ብተመሳሳሊ ቐይሕ ካርዲ ካብ መይዳ ተሰናቢቱ ኢዩ።

ሓፈሻዊ ውፅኢት መበል 11 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ፦

• ኢትዮጵያ ቡና 0-1 ቅዱስ ጊዮርጊስ
58′ ሙሉኣለም መስፍን

• ሃዲያ ሆሳእና 1-2 ወልቂጤ ከተማ
75′ ሄኖክ አርፊጮ ( ፍ) 42′ ሳዲቅ ሴቾ
79′ አዳነ በላይነህ
• ድሬዳዋ ከተማ 1-0 ሰበታ ከተማ
18′ ሙህዲን ሙሳ

• ባህር ዳር ከተማ 2-1 አዳማ ከተማ

• ጅማ አባ ጅፋር 0-0 ፋሲል ከነማ

• ሃዋሳ ከተማ 2-1 ወላይታ ድቻ

ብመሰረት እዚ፥ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ብ22 ነጥቢ ቀዳመይቲ፣ ቅዱስ ጊዮርጊስ ብ20 ነጥቢ ካልአይቲ፣ ፋሲል ከነማ ብ19 ነጥቢ ሳልሰይቲ ብምዃን ነቲ ሊግ ይመርሐኦ ኣለዋ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.