Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ንዝተሳተፈ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ፅባሕ ኣቀባብላ ክግበረሉ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ንዝተሳተፈ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ፅባሕ ኣቀባብላ ከምዝግበረሉ ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ቀጄላ መርዳሳ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ኣብ ሃንጋሪ ቡዳፔስት ዝተኻየደ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኢትዮጵያ ፅቡቕ ውፅኢት ዝረኸበትሉ ኢዩ።

ኣብቲ ውድድር ኢትዮጵያ 2 ወርቂ፣ 4 ብሩር 3 ነሓስ ብድምር 9 ሜዳሊያታት ከምዝረኸበት ብምሕባር፥ እቲ ውፅኢት ምስሊ ኢትዮጵያ ዝሃነፀ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብዝተረኸበ ውፅኢት ንመላእ ኢትዮጵያውያን መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ዘመሓላለፉ እቶም ሚኒስትር÷ ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ፅባሕ 23 ነሓሰ 2015 ዓ.ም ካብ ወጋሕታ ሰዓት 12 ጀሚሩ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣቀባብላ ከምዝግበረሎም ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያዊያንን ኣፍቀርቲ ስፖርትን ፅባሕ ኣብ ዝግበር ኣቀባብላ ብምርካብ ንኣባላት እቲ ልኡኽ ከበረታትዑ ፃውዒት ምቕራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ካብ ወጋሕታ ሰዓት 12 ክሳብ ሰዓት 2 ዝግበር ኣቀባብላ ስዒቡ እቶም ኣትሌታት ኣብ ጎደናታት ብምዝውዋር ምስ ህዝቢ ሓጎሶም ከምዝገልፁ ተመልኪቱ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.