Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ዓወት ንዘመዝገቡ ኣባላት ጉጅለ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ መተባብዒ ሽልማት ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ዓወት ንዘመዝገቡ ኣባላት ጉጅለ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ መተባብዒ ሽልማት ተዋሂቡ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ፌዴሪኢ ቀጀላ መርዳሳ፣ ሓጋዚት ኮሚሽነር ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ  ደራርቱ ቱሉ፣ ኣባላት ቦርድ ኣፈፃሚ ስራሕ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስን ካልኦትን ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ኣብቲ ውድድር ሜዳሊያ ወርቂ ንዘምፅኣ ክልተ ኣትሌታት ንሕድሕደን 60 ሺሕ ብር ተሸሊመን።

ብተወሳኺ ሜዳሊያ ብሩር ንዘምፅኡ 4 ኣትሌታት ንሕድሕዶም 40 ሺሕ ብር፣ ሜዳሊያ ነሓስ ንዘምፅኡ ክልተ ኣትሌታት ድማ ንሕድሕዶም 30 ሺሕ ብር ተዋሂቡዎም።

ጉጅለኣዊ ስራሕ ብምስራሕ ፍሉይ ሽልማት ዝተውሃበን ኣትሌት ፀሐይ ገመቹን ያለም ዘርፍ የኃላውን ናይ 50 ሺሕ ብር ሽልማት ከምዝተውሃበን ተገሊፁ።

ብተመሳሳሊ ኣብቲ ውድድር ዲፕሎማ ንዝረኸቡ ኣትሌታት ንሕድሕዶም 15 ሺሕ ብር ውህብቶ፣ ንዝተሳተፉ 16 ኣትሌታት ድማ ንሕድሕዶም 7 ሺሕ ብር ተዋሂቡዎም።

ኢትዮጵያ ኣብ ሃንጋሪ ቡዳፔስት ኣብ ዝተሳለጠ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም፥ 2 ወርቂ፣ 4 ብሩርን 3 ነሓስን ብድምሩ 9 ሜዳሊያታት ምርካባ ይዝከር።

ብመሰረት እዚ ካብ ዓለም መበል ሻድሻይ ካብ ኣፍሪካ ድማ መበል ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድራ ዛዚማ።

ብወርቅነህ ጋሻሁን
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.