Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መበል 37 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ 49 ሃገራት ከምዝሳተፋ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 37 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ክሳብ ሕዚ 49 ሃገራት ከምዝሳተፋ ምርግጋፀን ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ግልጋሎት ሰላማዊት ካሳ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ÷ ኣብ መበል 37 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዝሳተፉ ኣጋይሽ ናብ ኣዲስ ኣበባ እናኣተዉ ከምዝርከቡ ኣብሪሀን፡፡

ክሳብ ሕዚ ድማ 49 ሃገራት ብመራሕተንን ተወከልተንን ኣቢለን ኣብቲ ጉባኤ ከምዝሳተፋ ምርግጋፀን ገሊፀን፡፡

ካብ ሞንጎ እዚኣተን 30 ፕሬዚዳንት ሃገራትን ሹድሽተ ምክትል ፕሬዚዳንታትን ከምዝርከቡዎም ሓቢረን፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ብተወሳኺ ካልኦት ሃገራት ብመራሕተንን ብተወከልተንን ኣቢለን ከምዝሳተፋ ኣብሪሀን፡፡

“ካብዚ ሓሊፉ ድማ ውድብ ሕቡራት መንግስታ ሓዊሱ መራሕቲ 13 ዓለም ለኸ ትካላት ኣብቲ ጉባኤ ክሳተፉ ኢዮም” ኢለን፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ በዓል ብዙሕ ወገን ዲፕሎማሲ ኣርማ ሰላም፣ ሓድነትን ናፅነትን ኮይና ከምዝፀንሐት እተን ሚኒስትር ዴኤታ ገሊፀን፡፡

እዚ ድማ ኢትዮጵያ ናይ ኩሉ ኣፍሪካዊ ዋና ገዛ ኢያ ዝብል ሓሳብ ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ኣብቲ መድረኽ ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ሓሳብ ከምተንፀባርቕ ገሊፀን፡፡

ጎድና ጎድኒ እቲ ዋና ኣኼባ ብኣሰናዳእነት ኢትዮጵያ ክልተ ዓበይቲ ጉባኤታት ከምዝካየዱ እውን ኣፍሊጠን፡፡

ንሳቶም ድማ “ምስፍሕፋሕ ዲጂታላይዜሽን ንትራንስፎርሜሽን ኣፍሪካን ምርግጋፅ ሉኣላዊነት ምግቢ ኣፍሪካን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየዱ ከምዝኾኑ ተዛሪበን፡፡

9ን 10 ለካቲት 2016 ዓ.ም ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ዝካየዱ ክልቲኦም ጉባኤታት መራሕቲ ሃገራትን ሓለፍቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ከምዝሳተፉ ሓቢረን፡፡

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.