Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ዝጀመረ ጎንፂ እንተቐፂሉ ነቲ ዞባ ፈፂሙ ዘይሃድእ ቅልውላው ክፈጥር ይኽእል ኢዩ-ኣንቶኒዮ ጉተረዝ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፥ እቲ ጎንፂ እንተቐፂሉ ነቲ ዞባ ናብ ፈፂሙ ዘይሃድእ ቅልውላው ከእትዎ ከምዝኽእል ኣጠንቖም።

ብኻሊእ መዳይ ድማ እስራኤል ትማሊ ኣብ ጋዛ ብዘካየደቶም ደብዳባት ኣየር ልዕሊ 40 ሰባት ከምዝተቐተሉ ሰበ መዚ ጋዛ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ሓድሽ ጎንፂ ካብ ዝጅመር ትማሊ ሰንበት ዝበዝሑ ሰባት ዝተቐትሉላ ዕለት ከምዝኾነት ገሊፆም።

ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ድማ ሚልሻታት ፍልስጤም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብጠቕላላ ልዕሊ 3 ሽሕ ሮኬታት ናብ እስራኤል ከምዝተኮሱ ኣፍሊጡ።

ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፥ እቲ ጎንፂ እንተቐፂሉ ነቲ ዞባ ናብ ፈፂሙ ዘይሃድእ ቅልውላው ከእትዎ ከምዝኽእል ኣጠንቖም።

ስለዝኾነ እቲ ፍፁም ዘስካሕክሕ ጎንፂ ብቕልጡፍ ደው ክብል ፀዊዖም።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.