Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ማሌዥያ ወታደራዊ ሄሊኮፕተራት ብምግጫወን ህይወት 10 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ማሌዥያ ንብረት ሓይሊ ባሕሪ ሮያል ዝኾና ክልተ ወታደራዊ ሄሊኮፕተራት ብምግጫወን ህይወት 10 ሰባት ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

በቲ ሓደጋ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ መኮንናት ሓይሊ ባሕሪ ሓዊሱ ህይወት 10 ሰባት ከምዝሓለፈ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ፀብፂበን።

እቶም ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት÷ ካብ ሓንቲ ሄሊኮፕተር ሸውዓተ ካብታ ካሊእ ሰለስተ ከምዝኾኑ ድማ ኣናዶሉ ፀብፂቡ፡፡

ሚኒስቴር ምክልኻል እታ ሃገር መበገሲ እቲ ሓደጋ ንምፍላጥ ምርመራ ከምዝጀመረ እቲ ፀብፃቭ ኣመልኪቱ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.