Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ማይካድራ ዝተፈፀመ ጭፍጨፋ ሙሉእ ውፅኢት ምርመራ ካብ ሓኻይም እንትግለፅ ዕላዊ ክግበር ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጭፍጨፋ ማይካድራ ካብ ሞንጎ ዝተሳተፉ 279 ተጠርጠርቲ ዘይተተሓዙ ሃዲንካ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊን ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራልን ገሊፆም፡፡

ኣብቲ ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ፥ መናእሰይ እቲ ከባቢ ሙሉእ ቀረብ ምግቢ ተማሊኡሎም ፀፅታ ክተኽብሩ ብዝብል ተመልሚሎም ወፍሪ ከምዝተውሃቦም ተሓቢሩ፡፡

ጭፍጨፋ ዝገብሩሉ በላሕቲ ነገራት ኣቐዲሙ ተዋሂቡዎም ከምዝነበረ እውን ተገሊፁ።

ኣብቲ ጉዳይ ኣብ ዝተገበረ ምርመራ፥ እቲ ጨፍጫፍ ብሄር መሰረት ዝገበረን መብዛሕትኡ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዘድሃበን ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣብቲ ከይዲ 10 ደቂ ኣንስትዮ ከምዝተደፈራ ኢዩ ዝተሓበረ።

ድሕሪ እቲ ጭፍጨፋ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ልዕሊ 117 ጎዳጉዲ ከምዝተረኸቡ ምክትል ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ኣይተ ፍቓዱ ፀጋን ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራልን ሓላፊ ቢሮ ምርመራ ገበንን ኣይተ ዘለኣለም መንግስቴን ኣብ ዘሃቡዎ መግለፂ ኣረጋጊፆም፡፡

ሙሉእ ውፅኢቱ ድማ ኣብ ስራሕቲ ምርመራ ዝተሳተፉ ሓኻይም እንትግለፅ ዕላዊ ከምዝግበር ተዛሪቦም።

ኣብቲ ተግባር ካብ ሞንጎ ዝተሳተፉ 279 ተጠርጠርቲ እቶም 36 ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉን ዝተረፉ ብሽም ስደት ናብ ሱዳን ከምዘኣተዉን ተሓቢሩ።

ብትዝታ ደሳለኝ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.