Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ረቂቕ መምርሒ ቦርድ መረፃ ዘድሃበ ዘተ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ረቂቕ መምርሒ ቦርድ መረፃ ዘድሃበ ዘተ ምስ ሰብ ሞያታት ጥዕና፣ ፓርቲታት ፖለቲካን ኣካላት ፀፅታትን ተሳሊጡ።

ስለዝኾነ ድማ ካብ ጎስጓስ መረፃ ጀሚሩ ከይዲ መረፃ፣ ኮቪድ-19 ክስዕቦ ዝኽእል ፅዕንቶ ምንካይ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ብምትኳር መምርሒ ተዳሊዩ ልዝብ ተገይሩሉ።

እቲ መምርሒ ንቫይረስ ኮሮና ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሰባት ማለት እውን ዕድሚኦም ልዕሊ 60 ዝኾኑ ሰባት፣ ነብሰፁር ኣዴታትን ጉዱኣት ኣካልን ኣብ ግምት ዘእተወ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ብተወሳኺ ሕማም ኣስሚ፣ ሽኮርን ፀቕጢ ደምን ዘለዎም ወይ ድማ ናይ ሓኪም መረዳእታ ዘለዎም ከምኡ እውን ዓቕሚ ምክልኻል ሕማም ዘይብሎም ሰባት ዘጠቓለለ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣብ እዋን መረፃ ካብ ምዝገባ ኣባላት ክሳብ ምትእኽኻብ ድጋፍ ከምኡ እውን ህዝባአዊ ኣኼባታትን ምንቅስቓሳትን ሓዊሱ ኣብ ቆፀራ ድምፂ መረፃ ተዓዘብቲ መረፃ ርሕቐቶም ሓሊዮም ይዕዘቡ ዝብል ሓዊሱ ህዝባዊ ኣኼባታትን ምንቅስቓስን ዝግበረሎም ቦታታት ዝኽልክሉ መምርሒታት ኣውፂ፡፡

ካብ ሞንጎ እቶም ዝተኸልከሉ ቦታታት ድማ መንግስታዊ ሆስፒታላት፣ ማእኸላት መሐከሚ ቫይረስ ኮሮናን ማእኸላት ፈሊኻ መፅንሒን ማእኸላት መፅንሒ ኣረጋውያንን ጎስጓስ መረፃ ምግባር ኣይከኣልን ተባሂሉ፡፡

በተጨማሪም የአፍ እና የአፍንጫ መሸፈኛ ጭምብል የማያደርጉ የምርጫ አስፈፃሚዎች፣ የቦርዱ ሰራተኞች፣ እጩዎች፣ የፓርቲ ወኪሎች እና ጋዜጠኞች ወደ ቦርዱ ግቢ እና የቅሬታ ማስፈፀሚያ እንዳይገቡ ይደረጋል የሚል የቅጣት መመሪያንም ያካትታል ረቂቁ

መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘይገብሩ ኣፈፀምቲ መረፃ፣ ሰራሕተኛታት እቲ ቦርድ፣ ወኪላት ፓርቲቲን ጋዜጠኛታትን ናብ ቀፅሪ እቲ ቦርድን መፈፀሚ ቅሬታን ከየኣትዉ ክግበር ኢዩ ዝብል መምርሑ ኣብቲ ረቂቕ ከምዝተፀርሐ ተሓቢሩ፡፡

ኣብቶም መምርሒታት ዝተቐመጡ ኣሰራርሓታት ብግቡእ ምትግባር ከይዲ መረፃ ብዕት መልክዑ ንኽፍፀም ኣድላዪ ስለዝኾነ፥ እቶም መምርሒታት ብሓላፍነት ምትግባር ከምዝግባእ ኣካቢት ቦርድ መረፃ ወይዘሪት ብርቱካን ሚደቅሳ ተዛሪበን።

ብፀጋዬ ንጉስ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.