Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ዝተሳተፈ ጉጅለ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ እንትኣቱ ኣቀባብላ ተገይሩሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቡዳ ፔስት ዝተኻየደ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ዝተሳተፈ ጉጅለ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ።

እቲ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ቀጀላ መርዳሳ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ሚኒስቴር ኣቀባብላ ገይሮሙሉ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሆቴል ሂልተን ምስ አዕረፈ ኣብ ዝተፈላለዩ ጎደናታት ኣዲስ ኣበባ ብቤተሰብ ስፖርት ኣቀባብላ ክግበረሉ ኢዩ፡፡

እቲ ጉጅለ ኣትሌቲክስ ኣብ ቡዳፔስት ዝነበሮ ፃንሒት 2 ወርቂ፣ 4 ብሩር 3 ነሓስ ሜዳሊያታት ብምርካብ ካብ ዓለም 6ይ ደረጃ ብመሓዝ ክዛዝም ክኢሉ ኢዩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.