Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናብ ወፃኢ ካብ ዝቐረበ መሸጣ ኤሌክትሪክ ናብ 40 ሚሊየን ዶላር ዝፅጋዕ ኣታዊ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተዛዘመ ፍርቂ በጀት ዓመት ናብ ጅቡቲን ሱዳንን ካብ ዝቐረበ መሸጣ ኤሌክትሪክ 39 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ዝፅጋዕ ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ኣፈፃፅማ ትልሚ ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ዝተገበረ መሸጣ ኤሌክትሪክ 89 ሚኢታዊ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ንጅቡቲ ካብ ዝተገበረ መሸጣ ኤሌክትሪክ 19 ነጥቢ 9 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ንምርካብ ተሓሲቡ÷ 21 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝተረኸበ ዳይሬክተር ኮሙዩኒኬሽን እቲ ትካል ሞገስ መኮንን ተዛሪቦም፡፡

ካብ ዝተትሓዘ ትልሚ 8 ሚኢታዊ ሓለፋ ከምዘለዎ ኣብሪሆም፡፡

ናብ ሱዳን ካብ ዝቐረበ መሸጣ ኤሌክትሪክ ድማ 24 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ንምርካብ ተሓሲቡ÷ 18 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝተረኸበ ገሊፆም፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ኬንያ መሸጣ ከምዝተጀመረ ዝሓበሩ እቶም ዳይሬክተር÷ ንዝተወሰነ እዋን ብፈተነ ስለዝፀንሕ ስሩዕ መሸጣ እንትረጋገፅ ናብ ወፃኢ ሃገራት ካብ ዝቐርብ ኣታዊ ክብ ከምዝብል ኣመልኪቶም፡፡

ብኻሊእ መዳይ ንትካላት ኢትዮ ቴሌኮም፣ ሳፋሪኮምን ንዌብ ስፕሪክስ ኣይ ቲ ሶልዩሽንን ኦፕቲካል ፋይበር ብምክራይ 54 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ኣታዊ ተረኺቡ፡፡

ብዮሃንስ ደርበው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.