Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቀፃሊ ሰሙን ኣብ መብዛሕቲኦም ከባቢታት ኢትዮጵያ፤ ካብ ቀሊል ክሳብ ማእኸለዋይ መጠን ዘለዎ ዝናብ ትፅቢት ይግበር – ኢንስቲትዩት ሜቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀፃሊ ሰሙን ኣብ መብዛሕቲኦም ከባቢታት ኢትዮጵያ ካብ ቀሊል ክሳብ ማእኸለዋይ መጠን ዘለዎ ዝናብ ትፅቢት ከምዝግበር ኢንስቲትዩት ሜቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝላኣኾ መግለፂ ከምዘፍለጦ፥ እቲ ኢንስቲትዩት ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ምስ ምጅማር ክራማት ተታሓሒዙ ኣብ መብዛሕቲኦም ከባቢታት ኢትዮጵያ ካብ ቀሊል ክሳብ ማእኸለዋይ መጠን ዘለዎ ዝናብ ክህሉ እዩ ኢሉ።

ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢታት ምዕራብን፣ ደቡብ ምዕራብን ኢትዮጵያ ካብ ቀሊል ክሳብ ማእኸለዋይ ዝናብ ትፅቢት ይግበር።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ምዕራብ ጎጃም፣ ዞባታት ምዕራብ ጎንደር፣ ዞባ ኣዊ፣ ኣብ ክልል ኦሮምያ ድማ ጅማ፣ ኣብ ኩሎም ዞባታት ወለጋ ደረቕ ኩነታት ኣየር ከምዝህልወን ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ድማ ዞባታት ክልል ጋምቤላ፣ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፤ ደቡብ ምዕራብን ኩሎም ዞባታት ሲዳማን ደቡብ ኦሞ ኮንሶን ሓዊሱ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ተመሳሳሊ ኩነታት ኣየር ከምዝህልወን ተገሚቱ።

ኣብ ምብራቕ ሃረርጌ፣ ኣርሲ፣ ባሌን ምብራቕ ባሌን ኢሉ እውን ኣብ ዝተወሰኑ ዞባታት ጉጂ ድማ ቀሊል መጠን ዘለዎ ዝናብ ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ኢንስቲትዩት ሜቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ታሕተዎት ሓጓፍ ሽንጥሮ ማእኸለዋይን፣ ላዕለዋይ ተከዘን ገናሌ ዳዋን ክሳብ ልዑል መጠን ዝናብ ዝረኽቡ እንተኾኑ፥ ኣብ ውሱናት ከባብታት ድማ ከቢድ መጠን ዘለዎ ዝናብ ከምዝረክቡ ተሓቢሩ።

ኣብ መፋስስ ኦሞ ጊቤ ሃንደበታዊ ዉሑጅ ክህሉ ስለዝኽእል ጥንቃቐ ክግበር ከምዝግባእ እቲ ኢንስቲትዩት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣገንዚቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.