Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ብራዚል ብዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ካብ 2 ሚሊየን ዛይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ብራዚል ብዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት 2 ሚሊየን 14 ሺሕን 738 ከምዝበፅሕ ተገሊፁ።

ኣብታ ሃገር ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ህይወት 76 ሺሕን 822 ሰባት ከምዝሓለፈ እውን ፀብፃብ መርበብ ሓበሬታ ወርልድ ኦሜትር የረድእ።

ኣብ መላእ ዓለም በቲ ቫይረስ ካብ ዝተትሓዙ ሰባት ድማ ብቑፅሪ ንኣሜሪካ ስዒባ ካልአይቲ ሃገር ኮይና ኣላ።

ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ጃዬር ቦልሶናሮ ንቫይረስ ኮሮና እኹል ትኹረት ኣይሃቡን ብዝብል ተደጋጋሚ ወቐሳ እናበፅሖም ይርከብ።

ኣብ ብራዚል ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይመልአ እዋን በዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ካብ 1 ሚሊየን ናብ 2 ሚሊየን ክብ ከምዝኸኣለ እውን ተሓቢሩ።

ብኻሊእ መዳይ ድማ ኣብ ህንዲ በዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ካብ ሓደ ሚሊየን ሓሊፉ ኣሎ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.