Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቱርኪን ሶሪያን ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ንሕልፈት ዝተቓልዑ ሰባት ቁፅሮም ካብ 11 ሺሕ ዛይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቱርኪን ሶሪያን ብዘጋጠመ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ መሬት ቁፅሪ ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ልዕሊ 11 ሺሕ ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ቱርኪ ሬሲፕ ጣይፕ ኤርዶኻን ሎሚ ከምዝገለፁዎ÷ ኣብ ቱርኪ ብውሑዱ 8 ሺሕን 574 ሰባት ህይቶም ሓሊፉ።

ኣብ ሶሪያ ድማ ብውሑዱ 2 ሺሕን 530 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ ተባሂሉ።

እቶም ፕሬዚዳንት በቲ ሓደጋ ጉድኣት ዝበፅሖም ከባቢታት ተዘዋዊሮም ዝተመልከቱ እንትኾኑ፥ ኣብ 10 ግዝኣታት ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣዊጆም፡፡

ትካላት ወሃብቲ ሓገዝ ብኲናት ንዝተጎድአት ሶሪያ ህፁፅ ሓገዝ ንምልኣኽ ልዑ ፃዕሪ እናገበራ ከምዝኾና ፀብፃብ ኣልጀዚራ የመላኽት፡፡

ልዕሊ 12 ሺሕ ሰራሕተኛታት ነብሲ ኣድሕን ቱርኪ ልዕሊ ምስ 9 ሺሕ ወታደራት ብምዃን ኣብ ዝተጎድኡ ከባቢታት ስራሕቲ ምድሓን ህይወት እናሰርሑ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

እዚ ዜና ክሳብ ዝተዋደደሉ እዋን÷ ልዕሊ 70 ሃገራት ጉጅለ መድሕን ህይወትን ካልኦት ሓገዛትን ከምዘቕረባ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.