Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ንዝነበሩ ኣካላት እናተውሃበ ዝፀንሐ ስልጠና ተሃድሶ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣጋጢሙ ብዝነበረ ፀገም ፀፅታ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መገዲ ብናዕቢን ግርግር ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ንዝነበሩ ኣካላት እናተውሃበ ዝፀንሐ ስልጠና ተሃድሶ ተዛዚሙ።

ሰላም እቲ ክልል ናብ ዝነበሮ ንምምላስን ድሕንነት ህዝቢ ንምርግጋፅን ሰልጠንቲ ተሃድሶ ሕብረተሰብ ኣብ ምምሃር ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ኣዛዚ ማእኸል መሰልጠኒ እዚ ሰሜን ምዕራብ ኮሎኔል ወንድወሰን ሁሴን ተዛሪቦም።

እቲ ስልጠና ተሃድሶ÷ ኣብ ምንነት ሰላም፣ ኣድላይነት ሰላም፣ ጎንፂን ናዕቢን ከስዕቡ ኣብ ዝኽእሉ ሓደጋታት ዘድሀበ ከምዝኾነ ካብ ገፅ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ብኮማንድ ፖስት ብመሰረት ዝተቐመጠ ኣንፈት ተጠርጠርቲ ግንዛበ ሰላም ኣብ ዘድንፍዑን እዋናዊ ኩነታት እቲ ክል ዘብራህርሁን ሓሳባት ዘድሃበ ስልጠና ከምዝተውሃበ እውን ተዛሪቦም።

ሰልጠንቲ ናብ ማሕበረሰ እንትሕወሱ ብዛዕባ ምንነት ሰላም ጎንፂ ከስዕቦ ዝኽእል ጉድኣትን ከምኡ እውን ካብ ናዕቢ ብዝበለፀ ሰላማዊ ልዝብ ኣማራፂ ዘይብሉ መፍትሒ ከምዝኾነ ብምርዳእ ዝፍጠሩ ምድንጋራት ክቕይሩ ትፅቢት ይግበረሎም ኢሎም፡፡

ሰልጠንቲ ተሃድሶ ብግደኦም÷ “ኣብቲ ክልል ብዘጋጠመ ጎንፂ ህይወት ሰብ ሓሊፉ ኢዩ፤ ንብረት ዓንዩ ኢዩ፤ ብምዃኑ ድማ ከምዚ ዝበለ ጥፍኣት ዳግም ከየጋጥም ረብሓ ሰላም ንማሕበረሰብ ኣብ ምግንዛብ ግደና ክንዋፃእ ኢና” ክብሉ ኣረጋጊፆም፡፡

እቲ ስልጠና ጉዳዮም ተፃርዩ ካብ ተግባር ገበን ናፃ ዝኾኑ፣ ከቢድ ጉድኣት ዘየብፅሑን መረዳእታ ዘይቀረበሎምን 232 ተጠርጠርቲ ስልጠና ተሃድሶ ብምውሳድ ካብ ቤት ህንፀት ክሰናበቱ ተገይሩ ተባሂሉ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.