Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ኲናት ዝዓነወ ስርዓት መረዳእታ ጥዕና ምጅማር ይግባእ-ዶክተር ኣማንኤል

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ምጥንኻር መባእታዊ ክንክን ጥዕናን ስነ ተዋልዶን ዝጠመተ መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ መቐለ ኣሳሊጡ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶክተር ኣማንኤል ሃይለኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ኣብ ዘሕለፉዎ መልእኽቲ፥ ክሳብ ሐዚ ኣብ ምክልኻል ተላበድቲ ሕማማት ኢና ተፀሚድና ፀኒሕና ኢሎም።

ጠመተና ኣብ ምሕካም ብሕፅረት ምግቢ ዝተጠቕዑ ወገናት፣ ኣብ ምክልኻልን ምሕካምን ሕማም ዓባይ ሰዓል፣ ኤች ኣይቪ ኤድስን ካልኦትን ኮይኑ ፀኒሑ እዩ እውህን ኢሎም።

ይኹን እንበር ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ምጥንኻር መባእታዊ ክንክን ጥዕናን ስነ ተዋልዶን ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ዶክተር ኣማንኤል ሙሉእ ብሙሉእ ዝዓነወ ስርዓት መረዳእታ ጥዕና ምጅማር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ካብኔ ሴክሬታሪያት ትልሚ ስግግር ማሕበራዊ ልምዓት ፕሮፌሰር ክንደያ ገ/ህይወት (ፕሮፌሰር) ብግደኦም፥  ዓውዲ ጥዕና ዳግም ንምህናፅ ይስራሕ ኣብ ዘሎ ስራሕ ይሕግዙ ንዘለው ኩሎም ኣካላት አመስጊኖም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.