Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ዘመናዊ ዱኽዕን ምሩፅ ዘርእን ናብ መላእ ወረዳታት  ምብፃሕ ተጀመሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ግንቦት ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ዘመናዊ ዱኽዕን ምሩፅ ዘርእን ናብ መላእ ወረዳታት  ምብፃሕ ከምዝተጀመረ ተገሊፁ።

እቲ ሎሚ መዓንቲ ናብ መላእ ወረዳታት  ምብፃሕ ዝተጀመረ ዘመናዊ ዱኽዒን ምሩፅ ዘርእን 32 ሽሕ ኩንታል እንትኸውን ፥ ካብ መቐለ ናብ መላእ ወረዳታት ትግራይ ምጉዕዓዝ ከምዝተጀመተ ኢዩ ተሓቢሩ።

ዋና ስራሕ ፈፃሚት ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ኣብ ገምጋም ካቢኔኦም ብፍላይ ኣብ ገምጋም ቢሮ ሕርሻ፥ “ግብርና ሂወትና እዩ ፈላማይ ቆላሕታና እውን ንሱ እዩ፤ ስለዝኾነ እውን ኣብ ትግራይ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ንሃሉ ዘይሕረስ መሬት ኣይህልወናን።” ምባሎም ይዝከር።

ኣብቲ መድረኽ፥ ዝኽእል ሓረስታይ ባዕሉ ይሓርስ ዘይኽእል ድማ ሰብ ሞያን ትራክተራትን ሒዝና ባዕልና ክንሓርስ ኢና ብመሰረት ዝበልዎ ድማ ሎሚ መዓንቲ እቲ ዘመናዊ ዱኽዕን ምሩፅ ዘርእን ናብ መላእ ወረዳታት  ምብፃሕ ከምዝተጀመረ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.