Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ዕንወት ኢኮኖሚ ብስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ንምስላጥ ኣብ ሃገራዊ ትልሚ ብምክታት ይስራሕ ኣሎ-ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዚያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር) ዝምራሕ ልኡኽ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምክያድ መቐለ ኣቲዩ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣበነጋ እንትበፅሕ፥ ብምክትል ርእሰ ምምሕዳርን ሓላፊ ዘይምእኹል ምሕደራን ዲሞክራታይዜሽንን ሌ/ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ኣቀባብላ ተገይሩሉ።

ምስ ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዝግበር ዘሎ ዘተ፥ ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ኲናት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት ከቢድ ምዃኑ ብምግላፅ ንዳግመ ህንፀት ትግራይ ትኹረት ገይርካ ምስራሕ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ሌ/ጀነራል ፃድቃን ገሊፆም።

ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር) ብግደአን፥ በቲ ኩናት ዝበፅሐ ኩለ መዳይ ማሕበረ ኢኮኖሚ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ንምስላጥ ኣብ ሃገራዊ ትልሚ ከምዝተኻተተ ገሊፀን ።

እቲ ልኡኽ ናብ ትግራይ ዝመፅእሉ ምኽንያት፥ ብሓበር ንምስራሕ ዘኽእል ትልሚ ንምሕንፃፅ ኢዩ ኢለን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.