Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ህፁፅ ረድኤትን ኩነታት ፀጥታን ዝከታተል ቤት ምኽሪ ተጣይሹ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ህፁፅ ረድኤትን ኩነታት ፀጥታን ዝከታተል ቤት ምኽሪ ፀጥታ ተጣይሹ፡፡

እቲ ዝተጣየሸ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ኣብቲ ክልል ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ስሉጣትን ተበፃሕቲን ንምግባር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ምክትል ፈፃሚ ስራሕ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮሚሽነር ግርማይ ካሕሳይ፥ እቲ ቤት ምኽሪ ምንቅስቓስ ህፁፅ ሓገዝን ረዲኤትን፣ ኩነታት ፀፅታ ትግራይን ካልኦት ምንቅስቓሳትን ዝከታተል ከምዝኾነ ገሊፆምም።

ኣብቲ ቤት ምኽሪ ካብ ፌዴራልን ክልልን ዝተውፃእፅ ኣባላት ከምዘለዉዎ ዝገለፁ እቶም ምክትል ፈፃሚ ስራሕ፥ እቲ ክልል ካብ ኮምናድ ፖስት ናብ ንቡር ኩነታት ዝምለስ ውሳነ ዝህብን ንሕብረተሰብ ዝግበር ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ዝራእቲን ዘበናዊ ዱኽዒን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ማሕለኻ ንኽበፅሕ ዝከታተልን ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣብ ኬላታት ዘጋጥሙ ምድኑጓያትን ገልታዕታዕን ብምምሕያሽ ዝግበሩ ሓገዛት ኣብ እዋኖም ናብ ህዝቢ ንኽበፅሑ እናሰርሐ ከምዝኾነ እውን ኮሚሽነር ግርማይ ተዛሪቦም።

እቲ ቤት ምኽሪ ናይ ባዕሉ ሰንሰለሰታዊ ረኽቢ ከምዘለዎ ዝሓበሩ እቶም ምክትል ፈፃሚ ስራሕ፥ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ትግራይ ዝርከቡ ኣካላት ምምሕዳር ንተግባራዊነቱ ክንቀሳቐሱ ፀዊዖም ክብል ኤመሓት ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.