Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ  ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብሙሉእ ዓቕመን ናብ ስራሕ ዝተመለሳ ትካላት ልዑል ኣፈፃፅማ ስራሕ የመዝግባ ኣለዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ካብ በጀት ዓመት 2016 ዓ.ም ካብ ዝተለሞ ዓመታዊ ኣታዊ 169 ሚኢታዊት ዕውት ከምዝገበረ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ዓበይቲ ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝኾነ ኣብቲ በዓል መዚ ምክትል ፈፃሚ ስራሕ ኣይተ ኪሮስ ገ/መድህን ገሊፆም።

ኣይተ ኪሮስ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኣብቲ ትካል ዝተገበሩ ምምሕያሻት እንትገልፁ፥ሞያዊን ስነልቦናዊን ስልጠናታት ከምዝተውሃቦ ተዛሪቦም።

እቲ ቤት ዕዮ ዓመታዊ ትልሙ 2 ነጥቢ 1 ቢልየን እዩ ነይሩ ብምባል፥ ኣፈፃፅምኡ እንትረአ ኣብ 9 ኣዋርሕ ካብ ዝተትሓዘ ዓመታዊ ትልሚ ንላዕሊ 2 ነጥቢ 5 ቢልየን ብር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ኣብሪሆም።

ብብርኪ ፌደራል ዝዳለዉን ዝመሓየሹን ሓደሽቲ ኣሰራርሓታት ተቐቢልካ ተግባራዊ ኣብ ምግባር መርኣያ ስራሕ ከምዝተሰርሐ እውን ገሊፆም።

ካብዚ ሓሊፉ ማሕበረሰብ ኣብ ግብሪ ዘለዎ ግንዛበ ኣብ ምዕባይ ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ ልዑል ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብዮሃንስ ካሕሳይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.