Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ፅሩይ መስተ ማይ ተበፃሒ ናይ ምግባር ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ብምኽኒያት ኲናት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ መዓስከር ተመዛበልቲ ንዝርከቡ ዜጋታት ፅሩይ መስተ ማይ ተበፃሒ ናይ ምግባር ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ሚኒስቴር ማይን  ኢነርጂን ገሊፁ።

ኣብቲ ክልል ጣቢያታት መፃረዪ ማይ ፅገና ተገይሩሎም ኣገልግሎት ንክህቡ የስራሕ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብ መንጎ መንግስቲን ህወሓትን ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ስዒቡ ኣብ ተግራይ ሰብኣዊ ደገፍ ብዘይገደብ ይቐርብ ከምዘሎ እውን ተገሊፁ።

ኣብቲ ሚኒስቴር ሓላፊ ዴስክ ህፁፅ እዋን መስተ ማይን ፍሉይ ደገፈን ኣስቻለው ተስፋዬ፥ ኣብ ሽረ ብሰከንድ 48 ሊትሮ ዝተፃረየ ማይ ምስዳድ ዘኽእል ኣገልግሎት ምፅራይ ማይ ምሃብ ንክከኣል ዘኽእል ስራሕቲ ፅገና ከምዝተፈፀመ ተዛሪቦም።

ካብ ሸራሮ ክሳብ ዓድዋ ኣብ ዘለዉ ከባቢታት ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ናይ ማይ ሕፅረት ንከየጋጥም ተወሳኺ ዓሞቕቲ ጎዳጉዲ ከምዝተዳለዉ ሓቢሮም።

ብተወሳኺ ኣብቶም መዓስከራት ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምውዳድ ማይ ብቦቴ ናይ ምቕራብ ስራሕ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ኣብ መዓስከራት ዝነበረ ሕፅረት ማይ ምፍታሕ ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም ከብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.