Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ናይጀሪያ ኣብ መተሓላለፊ መስመር ጋዝ ብዝበፅሐ ኖትጒ ህይወት 17 ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ናይጀሪያ ኣብ መተሓላለፊ መስመር ጋዝ ብጋጠመ ሓደጋ ኖትጒ ህይወት 17 ምሕላፉ ተገሊፁ።

እቲ ሓደጋ፥ ከበድቲ ናይ ፅዕነት ተሽከርካ ኣብ ከባቢ መውፅኢ ጋዝ ምስ ርከቡ ሲሊንደራት ብምልግዑ ዝተፈጠረ ኢዩ ተባሂሉ።

በቲ ሓደጋ ካብ ዝሞቱ ሰባት ብተወሳኺ ድማ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ልዕሊ 100 መንበሪ ኣባይቲ ሓዊሱ ናይ ንግዲ ሹቓት እውን ዓኒዮም ኢዮም።

ዝተፈላለያ ተሽከርከርቲ ከምዝተቓፀላ እውን ተገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ነዳዲ ኣብ ዝፀዓና ቦጣት ብዝተፈጠረ ሓደጋ ምፍንዳእ 45 ሰባት ህይወቶም እንትሓልፍ ልዕሊ 100 ዝኾኑ ሰባት ድማ መጉዳእቲ ኣካል ከምዝበፅሖም ይዝከር።

ፍልፍል፦ ኣልጀዚራ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.