Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ሰለስተ ተወሰኽቲ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ሰለስተ ተወሰኽቲ ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተለኸፉ ምርግጋፁ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሓደ ወዲ 44 ዓመት ጃፓናዊ፣ ሓደ ወዲ 85 ዓመት ኢትዮጲያዊን ወዲ 39 ዓመት ኣውስትራሊያዊን ብዝተገበረሎም ክትትል ሕክምናን ምርመራ ላቮራቶሪን እቲ ቫይረስ ክርከበሎም ክኢሉ ኢዩ።

ነዙይ ስዒቡ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ዝተረኸቦም ሰባት ቁፅሪ ናብ ትሽዓተ ክብ ክብል ክኢሉ ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ቅድም ክብል በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ክትትል ሕክምና እናተገበረሎም ሰባት እቶም ኣርባዕተ ምልክት ሕማም ምርኣይ ከምዘቋረፁን ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ከምርከቡን እቲ ሚኒስቴር ብቕድሚ ትማሊ ምግላፁ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.