Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 4 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 766 ሰባት ምርመራ ላቦራቶሪ ከምዝተገበረሎም ዝሓበራ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፥ ካብዚኦም እቶም ኣርባዕተ ውልቀሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ምርግጋፁ ተዛሪበን።

ካብ ውሽጢ እዚኣቶም ድማ 15፣ 18ን 25ን ዓመት ዕድመ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ፑንትላንድ ዝተመለሳን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጅግጅጋ ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ ዝነበራ ኢትዮጵያውያን ከምዝኾናን ገሊፀን።

እቲ ራብዓይ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ውልቀሰብ ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ ኮይኑ፥ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ሃረርጌ ወረዳ ጉባ ኮሪቻ ከምዝነብር ተገሊፁ።

እቲ መንእሰይ ታሪኽ ጉዕዞ ዘይብሉ እንትኸውን፥ በቲ ቫይረስ ምስ ዝተለኸፈ ሰብ ዘለዎ ርክብ እናተፃረየ ከምዝርከብ ዶክተር ሊያ ኣብሪሀን።

ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም 130 ዝበፅሐ እንትኸውን፥ ካብቲ ሕማም ዝሓሾም ቁፅሮም ናብ 58 ክብ ከምዝበለ እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.