Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 304 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 5 ሺሕን 56 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 304 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት 157 ካብ ኣዲስ ኣበባ ፣ 36 ካብ ክልል ትግራይ፣ 46 ካብ ክልል ኦሮሚያ፣ 26 ካብ ጋምቤላ፣ 12 ካብ ክልል ኣምሓራ  ከምኡ̕ውን 2 ሰብ ካብ ክልል ሃረሪ፣ 7 ካብ ክልል ሶማሌ፣ 17 ሰብ ካብ ክልል ዓፋር፣ 1 ድማ ካብ ክልል ደቡብ ከምዝኾኑ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣፍሊጠን።

ክሳብ ሐዚ ን336 ሺሕን 322 ሰባት ብመሰረት ዝተገበረ ምርመራ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ቁፅሪ ሰባት 10 ሺሕን 511 ከምዝበፅሐ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ሰለስተ ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት 173 በፂሑ ኣሎ።

153 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ ብድምር ኣብ ኢትዮጵያ ካብቲ ቫይረስ ዝደሓኑ ሰባት ቁፅሮም 5 ሺሕን 290 በፂሑ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.