Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 452 ሰባት እንትርከቡ 9 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 6 ሺሕን 898 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 409 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ክሳብ ሐዚ ን357 ሺሕን 58 ሰባት ብመሰረት ዝተገበረ ምርመራ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ቁፅሪ ሰባት 11 ሺሕን 993 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ትሽዓተ ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት 197 በፂሑ ኣሎ።

ብኻሊእ መዳይ 139 ሰባት ካብቲ ሕማም ድሒኖም፤ ብድምር ኣብ ኢትዮጵያ ካብቲ ቫይረስ ዝደሓኑ ሰባት ቁፅሮም 5 ሺሕን 645 በፂሑ ኣሎ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዝሒ ቫይረስ ዘለዎም ሰባት 6 ሺሕን 89 እንትኾኑ፥ ካብ ውሽጢ እዚኣቶም ድማ 65 ሰባት ብፅኑዕ ዝሓመሙ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.