Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 116 ሰባት እንትርከቡ 7 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 4 ሺሕን 809 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 116 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሸውዓተ ሰባት ድማ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዕድሚኦም ካብ 3 ክሳብ 78 ምዃኖም ዝገለፃ ዶክተር ሊያ፥ ፀታኦም ድማ 76 ደቂ ተባዕቲዮ 40 ድማ ደቂ ኣንስቲዮን ከምዝኾኑ ሓቢረን።

በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ዝተረጋገፁ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኢዮም።

እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት 101 ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ካብ ክልል ኦሮሚያ፣ 4 ሰባት ካብ ክልል ደቡብ፣ 1 ካብ ኣምሓራ፣ 1 ሰብ ካብ ትግራይ፣ 1 ካብ ጋምቤላ፣ 1 ካብ ክልል ዓፋር፣ 1 ሰብ ካብ ድሬዳዋ ከምዝኾኑ እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ ቁፅሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 4 ሺሕን 70 ከምዝበፅሐ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ብኻሊእ መዳይ ሸውዓተ ሰባት ብምኽኒያት ቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ።

እቶም ህወቶም ዝሓለፉ ሰባት ኣርባዕተ ሰባት ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ ሓደ ካብ ክልል ሶማሌ፣ ሓደ ካብ ክልል ድሬዳዋ ከምኡ እውን ሓደ ካብ ድሬዳዋ ኢዮም።

ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም ናብ 72 ክብ ክብል ክኢሉ ኣሎ።

ሚኒስቴር ጥዕናን ኢኒስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ብምኽንያት ሕልፈት ህይወት እቶም ወገናት ዝተሰመዖም ሓዘን ብምግላፅ ንመላእ ቤተሰብ ምፅንዕናዕ ተመኒዮም።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 93 (88 ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ካብ ኣምሓራ፣ 2 ካብ ክልል ሶማሌ፣ ሓደ ሰብ ካብ ክልል ኦሮሚያ) ሰባት ካፍቲ ሕማም ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ሕማም ተለኺፎም ዝደሓኑ ሰባት ቁፅሮም 1 ሺሕን 27 በፂሑ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.