Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ተወሰኽቲ 588 ሰባት እንትርከቡ 7 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ትማሊ ፀብፃብ 24 ሰዓት ኣብ ልዕሊ 8 ሺሕን 201 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 588 ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሸውዓተ ሰባት ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ህይወቶም ከምዝሓለፈ እውን ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ፌስቡክ ገፀን ፅሐፈን።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም ናብ 18 ሺሕን 877 ክብ ኢሉ ኣሎ።

ካብዚኦም እቶም 11 ሺሕን 292 ሰባት ክትትል ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ ዝበላ ዶክተር ሊያ፥ ካብዚኣቶም ድማ 187 ሰባት ኣብ ክፍሊ ፅኑዕ ክንክን ሕክማና ዘድሊዮም ከምዝርከቡ ኣብሪሀን።

ብኻሊእ መዳይ ትማሊ 309 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ ብድምር ኣብ ኢትዮጵያ ካብቲ ቫይረስ ዝደሓኑ ሰባት ቁፅሮም 8 ሺሕን 240 በፂሑ ኣሎ።

ኣብ ናይ ትማሊ ፀብፃብ 24 ሰዓታት ሳዓተ ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ከምዝሰኣኑን ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት 343 ከምዝበፅሐን ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.