Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ እናተተግበሩ ዝርከቡ ስራሕቲ ሓለዋ ከባቢ ንኻልኦት ሃገራት ተሞክሮ ዝኾኑ ኢዮም ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ እናተተግበሩ ዝርከቡ ስራሕቲ ሓለዋ ከባቢ ንኻልኦት ሃገራት ተሞክሮ ከምዝኾኑ ምክትል ዋና ዳይሬክተር ፕሮግራም ሓለዋ ከባቢ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኤልዛቤት ማሩማ ኣፍሊጠን።

ሚኒስትር ዴኤታ ፕላንን ልማትን ሳንዶካን ደበበ ምስ ጉጅለ ልኡኽ ፕሮግራም ሓለዋ ከባቢ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተዛቲዮም።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር ፕሮግራም ሓለዋ ከባቢ ውሕመ ኤልዛቤት ማሩማ ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ስራሕቲ ምክልኻል ለውጢ ንብረት ኣየርን ሓለዋ ከባቢን ትሰርሖም ተግባራት ውሕመ ኣፍልጦ ከምዝህብ ኣብሪሀን፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ስራሕቲ ምክልኻል ለውጢ ንብረት ኣየርን ሓለዋ ከባቢን ዝሰርሖም ተግባራት ዝነኣዳ እተን ምክትል ዋና ዳይሬክተር፥ እዚ ድማ ንካልኦት ሃገራት ብተሞክሮ ዝውሰድ ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር፥ ኢትዮጵያ ኣዚዩ ውፅኢታዊን እቲ ከባቢ ንመንበሪ ምቹው ንኽኸውን ዝገብር ተግባር ከምዝኾነን በዚ ድማ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ መሪሕ ኣፍሪካ ምዃና ብተግባር ዘረጋገፀትሉ ከምዝኾነን ሓቢረን።

“እቶም ተግበራት ተጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ፕሮግራም ሓለዋ ከባቢ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ” ምባለን ካብ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.