Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ ልዕሊ 20 ሺሕን 900 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና እንትልከፉ 365 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ 20 ሺሕን 900 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና እንትልከፉ 365 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 9 ሺሕን 68 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 564 ሰባት እንትርከቡ ትሽዓተ ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 20 ሺሕን 900 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብዚ ሐዚ እዋን 11 ሺሕን 506 ሰባት ክትትል ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ ዝበላ ዶክተር ሊያ፥ ካብዚኣቶም ድማ 170 ሰባት ኣብ ማእኸል ክፍሊ ፅኑዕ ክንክን ሕክምና ከምዝርከቡ ኣብሪሀን።

ኣብ ናይ ትማሊ ፀብፃብ 24 ሰዓታት 9 ሰባት ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም 365 በፂሑ ኣሎ።

ብኻሊእ መዳይ ትማሊ 429 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ ብድምር ኣብ ኢትዮጵያ ካብቲ ቫይረስ ዝደሓኑ ሰባት ቁፅሮም ናብ 9 ሺሕን 27 ክብ ክብል ክኢሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.