Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ለውጢ ብምድጋፍ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ሰልፊ ድጋፍ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ለውጢ ብምድጋፍ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ሰልፊ ድጋፍ ተኻይዱ።

እቶም ሰልፍታት ኣብ ክልል ቤንሻንጉልጉምዝ ከተማ ኣሶሳ፣ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ሮቤን ሞጆን ኢዮም ተሳሊጦም።

ኣብቲ ሰልፊ ዝተሳተፉ ነበርቲ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝካየድ ዘሎ ለውጢን ንቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይን ዝድገፍ ጭርሖ ከምዘስምዑ ተገሊፁ።

ኣብ ኣሶሳ ኣብ ዝተሳለጠ ሰልፊ ዝተረኸቡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቢኒሻንጉልጉምዝ ኣይተ ኣድጎ ኣምሳያ፥ ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብዛ ሃገር ዘለዉ ምምሕያሻት ዓውዲ ማህበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካውን ቀልቢ ዓለም ከምዝሰሓቡ ተዛሪቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.