Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ 1 ሺሕን 386 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና እንትተሓዙ 28 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ትማሊ ፀብፃብ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 22 ሺሕን 101 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 1 ሺሕን 386 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 32 ሺሕን 722 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 28 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ቁፅሮም 572 በፂሑ ኣሎ።

ብኻሊእ መዳይ ትማሊ 414 ሰባት ካብቲ ቫይረስ ዝሓሾም እንትኾኑ፥ ክሳብ ትማሊ ብድምር 12 ሺሕን 938 ሰባት ከምዝሓሾም ተገሊፁ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን 19 ሺሕን 210 ሰባት ኣብ ሕክምና ከምዝርከቡን ካብዚኣቶም ድማ 216 ኣብ ማእኸል ክፍሊ ፅኑዕ ሕክምና ከምዝርከቡን እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.