Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ 10 ሚሊየን ሰባት ክታበት ኮቪድ-19 ከምዝወሰዱ ሚኒሰስቴር ጥዕና ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ 10 ሚሊየን ሰባት ክታበት ኮቪድ-19 ከምዝወሰዱ ኣብ ሚኒሰስቴር ጥዕና ዋና ኣተሓባባሪ ግብረ ሓይሊ ኮቪድ ዶክተር መብራቱ ማሴቦ ገሊፆም።

10 ሚሊየን ዝኾ ዜጋታት ከምዝተኸተቡ ዝገለፁ እቶም መተሓባበሪ፥ ኣብ ቀፃሊ ወፍሪ ክታበት ክሳብ 20 ሚሊየን ኢትዮጵያውያን ክታበት ንኽረኽቡ እናተበረ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ክሳብ ሕዚ ዕድሚኦም ልዕሊ 12 ዓመት ዝኾኑ እናተውሃበ ዝነበረ ክታበት ፋይዘር በቲ ወፍሪ ኣብ ኣቢያተ ትምህርቲ ንዝርከቡ፣ ኣብ ካልኣይ ብርኪን ዩኒቨርሲቲን ንዝርከቡ ተምሃሮ ኣብ ረብሓ ከምዝውዕል እውን ተዛሪቦም፡፡

ብተመሳሳሊ ሲኖፋርምን ብሓደ ዙር ዝወሃብ ክታበት ጆንሰንን ብብዙሕ ቁፅሪ ናብ ሃገር ንኸኣቱ ከምዝተገበረ ሓሮም።

ማሕበረሰብ ብስራሕ ምኅንያ እቶም ክታበታት እንተይወሰደ ከይተርፍ ኣብ ከባቢታት ሕርሻ፣ ኣቢያተ ትምህርቲ፣ ዕዳጋን መሰል ከባቢታትን ክታበት ንኽወስዱ ወፍሪ ከምዝግበር ምግላፁ ትፕኢ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.