Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢንዱስትሪ ፓርክ ኣረርቲ ናብ ዕዳጋ ካብ ዝቐረበ ፍርያት ልዕሊ 1 ቢሊየን ብር ኣታዊ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ካብ ኢንዱስትሪ ፓርክ ኣረርቲ ናብ ዕዳጋ ካብ ዝቐረበ ፍርያት ልዕሊ 1 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ፡፡

ኣብቲ ፓርክ ኢንዱስትሪ ተካእቲ ፍርያታት ብምፍራይ ንሸርፊ ወፃኢ የወፅእ ዝነበረ ልዕሊ 19 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ምድሓን ከምዝተኽኣለ ምክትል ፈፃሚ ስራሕ እቲ ኮርፖሬሽን ዘመን ጁነዲን ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ከባቢ እቲ ፓርክ ምስ ዝርከቡ ነበርቲን ናይ ውሽጢ ሃገር ኣፍረይቲን እታወት ንምቕራብ ብዝተፈጠረ ምትእስሳር ዕዳጋ እውን ልዕሊ 12 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ምትእስሳር ዕዳጋ ተፈጢሩ ኢሎም፡፡

ልዕሊ 1 ሺሕን 500 ዜጋታት ኣብቲ ፓርክ ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረሎም ምግላፆም ሓበሬታ እቲ ኮርፖሬሽን የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.