Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣቢያተ ማእሰርቲ ስዑድ ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ኣተሓሕዘኦም ብዝዓባ ዝመሓየሸሉ ጉዳይ ዝምልከት ልዝብ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ዝተመርሐን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስታራሕን መራሕቲ ትካላት ሃይማኖትን ዝተውፃእፀአ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ስዑድ ዓረብ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ኣካይዱ።

ዕላማ ጉዕዞ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ብዛዕባ ዝጠናኸረሉ ኩነታት ከምኡ እውን ኣብ ስዑድ ዓርብ ዝርከቡ ዜጋታት ኢትዮጵያ ግዚያዊን ዘላቒን መፍትሒ ዝርከበሉ ኩነታት ምስ ላዕለዎት ሰብ መዚ እታ ሃገር ንምዝታይ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እቲ ጉጅለ ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ብዝነበሮ ፃንሒት ኣብሪያድ ምስ ኣመራርሓታትን ኣባላትን ኮሙዩኒቲ ኢትዮጵያ፣ መራሕቲ ሃይማኖት ከምኡ እውን ምስ ኣባላት ማሕበረሰብ ንግዲ ከምዝተዛተዩ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ድማ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ኣተሓሕዘኦም ዝመሓያሸሉ ኩነታት፣ መንበሪ ፍቓዶም ዝተቓፀሎምን ዝተፈላለዩ ቅፅታት ዝፅበዩዎም ይኹን እምበር ብናይ ባዕሎም ገንዘብ ተሳፊሮም ናብ ሃገሮም ክኣተው ዝደልዩ ኢትዮጵያውያን ቅፅዓቶም ተላዒሉን ምሕረት ተገይሩሎምን ናብ ሃገሮም ክምለሱሉ ዝኽእሉሉ ኣግባብ ዝምልከት ዛዕባ ከምዝተለዓለ ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.