Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ጥራሕ 2 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ዝዓለመ መርሃግብሪ ተኸላ ፈልሲ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2012(ኤፍ ቢሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ መዓልቲ ጥራሕ 2 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ዝዓለመ መርሃግብሪ ብድሙቕ ኩነታት ይቕፅል ኣሎ።

ካብቶም ሎሚ መዓልቲ ዝትከሉ ፈልሲታት መብዛሕተኦም ንምግቢ ዝውዕሉ ተኽልታትን ፍረምረን ኢዮም ተባሂሉ።

ምክትል ከንቲባ ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ፥ ምስ ደገፍቲ ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ቡና ብምዃን ኣብ ከባቢ ጆሞ ዝርከብ ቀፅሪ ሜዳ ቡና ፈልሲ ተኺሎም።

ማሕበር ታክሲታት፣ ማሕበረሰብ ዲፕሎማሰኛታት፣ ደገፍቲ ጋንታታት ኩዕሾ እግሪ ቡናን ቅዱስ ጊዮርግስን፣ ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ብምርካብ ሓምለዋይ ዓሸረኦም ከምዘንበሩ እቶም ምክትል ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ፅሒፎም።

እቶም ከንቲባ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ንዝተሳተፉ ኩሎም ምስጋና ኣቕሪቦም።

እቲ ሎሚ መዓልቲ እናተሳለጠ ዝርከብ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ፥ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብድሙቕ ኩነታት እናቐፀለ ምዃኑ ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.