Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሺሻ እናትከኹ ዝተረኸቡ 150 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ውሽጢ ፀባብ ገዛ ተኣኪቦም ሺሻ እናትከኹ ዝተረኸቡ 150 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ መምርሒ ፖሊስ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ኣፍሊጡ።

ቫይረስ ኮሮና (ኮቪድ-19) ንምቁፅፃር ኣናተገበረ ኣብ ዝርከብ ሰፊሕ ፃዕሪ፥ ስግኣት ናይቲ ሓደጋ ዕሽሽ ዝበሉ ውልቀ ሰባት ኣብ ምትካኽ ሺሻን ምቕሓም ጫትን ዝበሉ ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ተዋፊሮም ከምዝርከቡ እቲ መምርሒ ፖሊስ ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ ገሊፁ።

እቲ ተግባር፥ ዘይሕጋዊ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ ሕማም ኮቪድ-19 ንምቁፅፃር እናተገበረ ኣብ ዝርከብ ፃዕሪ ካሊእ ማሕለኻ ከምዝኾነ ሓላፊ መምርሒ ፖሊስ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ኮማንደር ከበደ ኣስፋው ተዛሪቦም።

መምርሒ ፖሊስ እታ ክፍለ ከተማ ምስ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መኽበርቲ ደምቢ ብምትሕብባር ብዝገበሩዎ ከክትትል ኣብታ ክፍለ ከተማ ወረዳ ሓደ ፍሉይ ሽሙ ጎማ ተራ ተባሂሉ ኣብዝፅዋዕ ከባቢ ኣብ ሓንቲ ፀባብ ገዛ ቀበሌ 150 ሰባት ተኣኪቦም ሺሻ እንተትክኹን ጫት እንትቕሕሙን ረኺቡ ኣብትሕቲ ቁፅፅር ብምውዓል ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝተውደሎምን ገሊፆም።

እቲ ገዛ ካብ ካሊእ ውልቀ ሰብ ተኻርዮም ዘይሕጋዊ ተግባር ንኽፍፀም ዘመዓራረዩ ውልቀ ሰበት እውን ስጉምቲ ከምዝተወሰደሎም እውን ኮማንደር ከበደ ኣብሆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.