Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናውቲታት ምርጫ ምብፃሕ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ሰነ ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናውቲታት ምርጫ ምብፃሕ ከምዝተጀመረ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኣፍሊጡ።

ሓላፊት ኮሚኒኬሽን እቲ ቦርድ ሶልያና ሽመልስ ኣብ ዝሃብኡ መግለፂ፥ ናብ ክልላት ኣብ ዝካየድ ምብፃሕ ናውቲ ምርጫ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ደገፍ ይገብር ከምዘሎ ሓቢረን።

ህዝበ ውሳነ ደቡብ ምዕራብ በዝምልከት ኣብ ዝሃብኡ መግለፂ፥ 14 ሰነ ምርጫ ንምክያድ ዝተገበረ ምዝገባ 1 ጳጉሜን ኣብ ዝካየድ ህዝበ ውሳነ ኣብ ረብሓ ክውዕል ኢዩ ኢለን።

ዓለም ለኸ ተዓዘብቲ ቁፅሮም ልዕል 120 ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ኣብ ቀፃሊ ፍቓድ ብምውሳድ ናብ ውሽጢ ዓዲ ዝኣትዉ ተዓዘብቲ ክህልዉ ኢዮም ኢለን።

ካርዲ ዝጠፍኦም ዜጋታት ምምዝጋቦም ተረጋጊፁ ቃለ ጉባኤ ብምሓዝ ምምራፅ ከምዝኽእሉ እውን ሓቢረን።

ብሀብታሙ ተ/ስላሴ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.