Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝሳለጥ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ እኹል ምድላው ፀፅታ ምግባሩ ፖሊስ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝሳለጥ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ እኹል ምድላው ፀፅታ ምግባሩ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ኣብዚ ሰሙን እዚ ንዝሳለጥ መበል 33 ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ፥ እኹል ሓለዋ ፀፅታ ንምግባር ቅድመ ምድላዋቱ ወጊኑ ናብ ስራሕ ሀምዝኣተወ ገሊፁ ኣሎ።

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዙሓት ጋሻታት ኣብቲ ጉባኤ ንምስታፍን ንምክትታልን ናብ ኣዲስ ኣበባ እናኣተዉ ከምዝኾኑ እውን ኣፍለሊጡ።

ብመሰረት እዚ፥ ጋሻታት ብዓጀባ ይኹን ብዝተፈላለዩ ጉዳያት ኣብ ዝንቀሳቐሱሉ እዋን ሕብረተሰብ ብፍላይ ድማ ኣሽከርከርቲ ጋሻታት ንኽቕድሙ ዕድል ብምሃብ ዝተለመደ ምትሕብባሮም ንኽገብሩ እቲ ኮሚሽን ፀዊዑ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.